zemen_wedi_charles
Kontaktinformationen, Karte und Wegbeschreibungen, Kontaktformulare, Öffnungszeiten, Dienstleistungen, Bewertungen, Fotos, Videos und Ankündigungen von zemen_wedi_charles, Gesundheit/Schönheit, Zürich.
20/03/2020
ኣብ ጎደና ዝሓረሰት ኣደ እንቃዕ ማርያም ምሓረትኪ😢😢💔💔omg
👈👇👇😢😢
11/03/2020
😂ንፍሽኽታ😂
ሓደ ማዓልቲ ሰብኣይን ሰበይትን ሻወር ክገብሩ በብታራ ናብ ባኞ ይኣትዉ:: ቅድም ሰበይቱ ተሓጺባ. ሽጋማኖ. ተከዲና ወጸት: ድሓር ሰብኣይ ክኣቱ ከሎ ማዕጾ ናይ ገዛ ተካሕኮሐ::
ሰበይቲ "ንስካ እቶ ተሓጸብ ኣነ ክከፍቶ ኢየ" ኢላ ነቲ ጋሻ ከፈተቶ:: እቲ ጋሻ "ሰብኣይኪ ደኣ የሎን ዲዩ?" በላ:: ንሳ ከኣ ሻውር ኣቲዩ ኣሎ በለቶ. ወዮ ሰብኣይ. ኣካዳድናኣ ብምግራም
ጡብኪ ደኣ ዘይተርኢኒ 3000 ክህበኪ ኢየ በላ ንሳ ከኣ ጥራይ ምርኣይ ኢላ 3000
ወሰደት:: መሊሱ ከኣ ጡብኪ ተትሒዝክኒ 5000 ክህበኪ ኢየ: በላ::
ንሳ ከኣ ምትሓዝ ጥራይ ኢላ 5000 ወሰደት:: ድሓር ቻው በሊ ጆሲ መጺካ ነሩ በልለይ ንሰባይኪ" ኢልዋ ከደ::
ሰብኣያ ካብ ባኞ ምስ ወጸ: "መን ደኣሉ ኢሉ ሓተታ. ንሳ ከኣ ጆሲ መጺኡ ጸኒሑ ትብሎ:
እሞ 8000 ዶ ሂብኪ በላ: ንሳ ከኣ ሰምቢዳ ብከመይ ደኣ ፈሊጥካ?
ንሱ ከኣ :- ትማሊ ኣለቂሐዮ ኔረ ንሎሚ ክመልሰልካ ኢየ ኢሉኒ ኢሉዋ ንብለኩም ....
ጆሲ ከባጽ ብገንዘብ ሰብኣያ ረባቢጥዋ ከይዱ😂
እንካዕ ካብኡ ዝበዝሕ ኣይነበረ እቲ ገንዘብ ካልእ ውን ምሳዓበ ኔሩ 😂😂😂😂
ካብ ገጻት Fb
10/03/2020
ሓደርኩም🤟😹!!!
03/03/2020
ብጣዕሚ ልብኻ ዝትንክፍ ስእሊ ኣብ ማቃብር ስድርኡ ኮይኑ ይነብዕ ኣሎ እዚ ዕሸል😭😭💔💔😭😭😭💔💔
ነዞም ስድራ ኩሉ ግዜ ክዕዘቦም ከለኹ ገለ ሐጎስ ይፈጥሩለይ ከምዚ ከማይ'ዶ ትኾኑ ንስኻትኩም'ኬ 😘😘😘😘 ልዕሊ እቲ ደርፊ ፍሽኽትኦም ይምስጠካ
Famili ❤️
Fens Barcelona
28/02/2020
ናይ ኣፍሪቃ ሽግር፡ እቶም ክሓስቡ ዝኽእሉ ስልጣን የብሎምን፡ እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ድማ ፈጺሞም ክሓስቡ ኣይክእሉን ኢዮም።
~ PLO Lumumba
Hahahha ኣነ አሞ ሞይተ ቆስለ አየ ብስሓቅ አዚ ዘይስሕቆ ተልዩ ሕልምና ከይዱ ክምርመር ኣለዎ ብሓቂ ክክክ
🤣🤣🤣
26/02/2020
#ብዓል #ዓቢ #ሕልና Abraham Michael
ሓደ ካብቶም ጸገም ሰባት ክፈትሕ ከይደቀሰ ዝሓድር ብሉጽ ናይ ብሉጻት ካብ ዕድሚኡ ሕልንኡ ዝዓቢ ኣብርሃም ዓቢ ሰብ ዕድመን ጥዕናን ይህብካ ፈጣሪ ከማካ የብዝሓዮም🇪🇷💯
19/02/2020
ተኣምራት ናይታ ጸላም ረፍዲ
ናይ ሎሚ 7 ዓመት'ዩ ኣብ ዴሴት ላምፓዱዛ። ኣብታ ጸላም ረፍዲ ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ኣማኢት ኤርትራዉያን መንእሰያት ኣብ ባሕሪ ዝሰጠሙላ። ዶ/ር ፔትሮ ባርቶሎ ነቲ ካብ ባሕሪ ተመዝሒቑ ዘወጸ ሬሳታት ኣፍልጦ ክህብ ስለ ዝነበሮ፡ ነቲ ሬሳታት በብሓደ ካብ ዝተዓሸጎ ፕላስቲክ ሻርነልኡ እንዳ ጋለሀ ናይ መወዳእታ ናይ ሞት መርትዖ ብ ሞያዊ ብቕዓቱ ይህብ ነበረ።
ኣብ ሞንጎ እቲ ከቢድ ሓዘንን፡ጸቕጢ ዝመለኦ መንፈስ ናይታ ዕለትን ፡ ዜግነት ብዘየገድስ ፡ ኣብ ገጽ ነውፍሲ-ወከፍ ፍጡር ከቢድ ጓህን ብንብዓት ዝዓዝዓዘ ምስልን ተለጢፉ ነበረ ።
ማዕከናት ዜና ዓለም ፥ ነቲ እትረፍ ክትርእዮ ክትሰምዖ እኳ ዘስካሕክሕ ጃምላዊ ህልቂት መንእሰያት ኤርትራ ብ ተንቀሳኣቓሲ ምስሊ ኣሰንየን ናይ ሓዘን መልእኽቲ ይዝርግሓ ነበራ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ምስሊ ናይቶም ግዳያት ዘለዎ ናይደም ሕብሪ ዝተቐብኦ ንብዓት ዝንጠብጥብ ኣሳእል መሪር ሓዘን ንምግላጽ የዕለቕሊቑ ነበረ። ካብ'የ ሃገራት ኤውሮጳ ዝተኣኻኸባ ምስ ኣብ ጣልያን ዝቕመጣ ኤርትራዉያን ኣደታት፡ ከብድኻ ዝበልዕ ቁዘማን ኣውያትን ኣብ ኩሉ መረኸቢ ብዙሓን ናይ መርድእ መቓልሕ ኣጋወሓ ።
ዶ/ር ፔትሮ ኣብ መንጎ እቲ ብቐደም ተኸተል ዘረጋግጾ ዝነበረ ናይ ኣማኢት ኤትራዉያን ሬሳታት ስራሕ ፈጣሪ ንኸይተርፍ ሓደ ተኣምራት ተገልጸ። ካብቲ ብፕላስቲክ ተዓሺጉ ዘነበረ ሬሳ ትልኽታ ትንፋስ ናይ ሓንቲ መንእሰይ ኣስተብሃለ።
ኣብቲ መጀመርታ ዶ/ር ፔትሮ ነቲ ተጓንፎ ከረጋግጽ ስለ ዝኸበዶ ደጋጊሙ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ኣካላት ናይቲ ሬሳ ንዝያዳ መርትዖ ብሸፈድፈድ ጎርጎረ። እዚ ክንዮ ተኣምራት ካልእ ሚስጢር ዘይውክሎ ኣጋጣሚ ፡ ን ዶ/ር ፔትሮ ካብቲ ዝጸነሖ ፍጥነት ቀኒሱ ናብ ፍጹም ደረቕ ቀየሮ።
ንዝተወሰነ ካሊእታት ድማ ስርሑ ኣቋሪጹ ናብ ፍጹም ዕኑድ ስለዝተቐየረ ፡ኣቓልቦ መሳርሕቱ ሰሓበ።
ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተሉ ዝነበሩ ተሓጋገዝቱ ፡ን ዶ/ር ፔትሮ ፥ ገሊኦም ብ እንግድዕኡ ገሊኦም ብ የእዳዉ ብምሓዝ ካብቲ ዝነበሮ ኩነታት ክምለስ ስሙ እና ጸወዑ ደጋጊሞም ነውነዉዎ።
ከም ካብ ጸቓጢ ድቃስ ባህሪሩ ዝተበራበረ ድማ የዕንቱ ቋሕ ብምባል ድምጹ ኣበሪኹ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ።
"ኣምፑላንስ ፡ፍጠን ፡ ኣልዕልዎ እዚ ሬሳ ኣይመተን ኣሎ ውሰድዎ" መስርዑ ዘይሓለወ ቃላት ብ ኣድራጋ ፈነዎ። ኣብ መንጎ እቲ ዝብሎ ዝነበረ ቃላት ተጸቒጡ ዝወጽእ ዝተቖራረጸ ናብ ብኽያት ዘምርሕ ዘንቀጥቅጥ ድምጺ ይስማዕ ነበረ።
እቲ ዝብሎ ዝነበረ ንገለ መሳርሕቱ ዓጀውጀው ኮይኑ ተሰመዖም ። ብፍጹም ካብ ብፕላስቲክ ዝተዓሸገ ሬሳ ህወት ክርከብ ሕንቅል-ሕንቅሊተይ ኮኖም። እቲ ሓቂ ግን ንሱ ነበረ ።
ሬሳ ተላዒሉ ናብ ኣምፑላንስ ፡ ካብ ኣምፑላንስ ብ ሄሊኪፕተር ናብቲ ዝለዓለ ሕከምና ተወሰድ ።
ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ናይቲ ፍጻመ እንሆ እታ ዉጻእ መዓት መንእሰይ ክብረት ፡ ነቲ ኣባል ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ ኮይኑ ዘሎ ዶ/ር ፔትሮ ባርቶሎ ኣብ ርእሲ ከተማ ሃገረ በልጁም ከተማ ብራስለስ ረኺባቶ።
እታ ብሰረሕተኛታት ህወት ኣድሕን ባሕሪ ፡ከም ምውቲ ተቖጺራ ኣብ ናይ ሬሳ ፕላስቲክ ዝተዓሸገት ምንእሰይ ክብረት ምስቲ ካብ ኣፍ ጋህሲ ዝመለሳ ዶ/ር ፔትሮ ዳግማይ ተሓቛቒፎም ይነብዑ።
ጳውሎስ (በርሊን )18/02/20
Klicken Sie hier, um Ihren Gesponserten Eintrag zu erhalten.
